Ich will lernen

DVV-መርበብ-ትምህርቲ

„ich-will-lernen.de“ ዝዓበየ ክፉት መርበብ ትምህርቲ ኣብ ጀርመን እዩ። ዝያዳ 31 000 መጽናዕታት ፊደላትን መሰረታዊ ትምህርትን ይህብ እዩ፣ ንምድላው መፈጸምታ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ንአኮኖማዊ መሰረታዊ ትምህርቲ።
Ich will lernen
Ich will lernen: Leben und Geld
Ich will lernen: Mathematik
Ich will lernen: Englisch
Ich will lernen: Deutsch
Ich will lernen: Rechnen
ኣብ DVV-መርበብ-ትምህርቲ ባዕልኹም
  • ምጽሓፍን ምንባብን ምቅማርን ክትላመዱን ክትመሃሩን ትኽእሉ።
  • ንመፈጸምታ ሃውፕትሹለ (መሰረታዊ ሃይስኩል) ክትዳለዉ ትኽእሉ (ኣብ ሳብጀክታት ጀርመንኛን ማትስን እንግሊዝኛን)
  • ፍልጠትኩም ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ከተስፍሑ ትኽእሉ

ቦታ መዘናግዒ ናይ „ich-will-lernen.de“ ናይ ምምሃር ጸወታታትን ንምንባብ ጽሑፋትን ከምኡ’ውን ሓድሽ ዜናታትን ተወሳኽን የውፊ እዩ።

ረብሓታት ናይዚ መርበብ ትምህርቲ

ከም ኣንበብትን ተመሃሮን ፈጺምኩም ብስትረትን ብነጻን ኣብቲ መርበብ ትምህርቲ ክትምዝግቡ ትኽእሉ። ዋላ ኣብ ገዛ ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም ወይ እቲ መርበብ ኣብ ስልጠና ክትሳተፉ ከለኹም ውን ክትጥቐሙሉ ትኽእሉ – ንኣብነት ኣብ ሓደ Volkshochschule (ትምህርቲ ማሕበረ ሰብ)።
ናይ ምምሃር ቦታታትን ግዜታትን ከምቲ ዝደለኹም ክምደቡ ይከኣሉ።
ናይ መእተዊ ኦንላይን መርመራ ካብ መጀመርያ ኣብ ቅኑዕ ደረጃ ምእንቲ ክትመሃሩ የረጋግጽ እዩ።
ኦንላይን ዘለው መምሃራን ኣብ ውልቃዊ መገድኹም ክሳብ ምንባብን ምጽሓፍን ምቅማርን መፈጸምታ ቤት-ትምህርትን ይሕግዙኹም እዮም።

ኣብዚ ናብ መርበብ ትምህርቲ ትኣትዉ