ናይ ቋንቋ App „Einstieg Deutsch“ ናይ ቋንቋዊ ቅድመ-ኣበርክቶ መጽናዕታት ይህበኩም። እዚ ኤፕ መሰረታውያንን ንመዓልታዊ ምዝራብ ኣድላይ ዝኾኑን ኣገባባት ኣለዎ፣ ብቕልጡፍ መሰረታዊ ክእለት ዘረባ ኣብ ቋንቋ ጀርመን ክህብ ይኽእል እዩ። ዋላ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣገደስቲ ቃላትን ብሂላትን ክትመሃሩ ኢኹም ከምኡ’ውን ዝተመሃርኩም ኣብነታት ምሉእሓሳባት ክትነጻጸሩ ክትክእሉ ኢኹም።
- ነጻ እዩ
- ብምልኡ ኣብ ዓሰርተ ቋንቋታት ተተርጊሙ (ዓረብኛ፣ ዳሪ፣ እንግሊዝኛ፣ ፋርሲ፣ ፈረንስኛ፣ ኩርማንቺ፣ ፓሽቱ፣ ትግርኛ፣ ቱርክኛ፣ ኡርዱ)
- ኣብ 15 ኣርእስታት ከም „ቆጸራ ሓኪም“፣ „ቆጸራ ቤትጽሕፈት“ ወይ „ምግዛእ“ ተሰሪዑ’ዩ – በዚ ገሩ ኣብ ናይ መዓልታዊ ኩነት ብቐሊሉ ንክትኣትዉ ኣማራጺ የውፊ – ከከም ውልቃዊ ኣድላይነትኩም
- ኦፍላይን/ብዘይ ኢንተርነት ይሰርሕ
- ኣርእስታውያን ሓጸርቲ ሓበሬታታትን ምኽርታትን
- ምርኢት ስእልታት ምስ ጽሑፋት ብጀርመንኛ ከምኡ’ውን ናይ ካልኦት ቋንቋታት ምትርጓም
- ዝተፈላለየ ዓይነት መጽናዕታት ንምልማድ ዓቕሚ ምስማዕን ምዝራብን ምንባብን
- ብዙሓት ቋንቋታት ዘለዎ መጽሓፍ ቃላትን ምሉእሓሳባትን
- ናይ ብዙሕ ቋንቋታት መላመዲ ቃላት
- ናይ ምምሃር ጸወታታት (ሕጂ ኣብ ምዕባለ ዘለው)
ቨርዝዮን iOs

ቨርዝዮን Android
